Delina Consulting AB

Ring Vägbeskrivning Webbplats Kontakta affären

Delina Consulting AB Kontaktinformation, kartor och vägbeskrivningar, kontaktformulär, öppettider, tjänster, betyg, foton, videor och meddelanden från Delina Consulting AB, Pass och visum, Ångermannagatan 134, Stockholm.

Delina consulting will pursue service in basic computer knowledge, study and job coaching in education, internships and/or jobs, language and subject support in Tigrinya and Amharic, and social services and support.

መራሒት ሰልፊ Centerpartiet (Elisabeth Thand Ringqvist) መንግስቲ ንምምስራት  ሓላፍነት ተዋሂብዋ!ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ሽወደን ኣንድርያስ ኖርለን (Andreas Norlén...
19/10/2026

መራሒት ሰልፊ Centerpartiet (Elisabeth Thand Ringqvist) መንግስቲ ንምምስራት ሓላፍነት ተዋሂብዋ!

ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ሽወደን ኣንድርያስ ኖርለን (Andreas Norlén) ፡ ንመራሒት ሰልፊ ሰንተር (Centerpartiet) ኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት፡ ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት ሓላፍነት ከም ዝሃባ፡ ሎሚ ሰኑይ 19 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ዝገበሮ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መራሒት ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራተርና ማግዳሌና ኣንደርሾን (Magdalena፡ ኣብ ባይቶ ሽወደን ብዝተኻየደ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ድምጺ ኣወሃህባ ኣድላዪ ደገፍ ክትረክብ ብዘይምኽኣላ ተሳዒራ። እዚ ድምጺ ኣወሃህባ፡ ቅድሚ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን ካብ ዝዛዘም ንደሓር፡ ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ እንኮ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ድምጺ ኣወሃህባ እዩ።

ማግዳሌና ኣንደርሶን ድሕሪ እቲ ድምጺ ኣወሃህባ፡ «እዚ ውጽኢት ሙሉእ ብሙሉእ ትጽቢት ዝተገብረሉ እዩ» ክትብል ገሊጻ ምንባራ ዝፍለጥ እዩ።በዚ ምኽንያት፡ ናይ ሓድሽ መንግስቲ ምምስራት መስርሕ ናብ ዝቕጽል ደረጃ ተሰጋጊሩ።

ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ጀሚሩ፡ እቲ መስርሕ ኣብ ኢድ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ሽወደን ወዲቕ ምጽንሑ ዝዝከር ኮይኑ፡ ንሱ ድሕሪ እቲ ድምጺ ኣወሃህባ፡ ምስ ኩሎም መራሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብተሌፎን ክዘራረብ ከም ዝቐነየ ዝፍለጥ እዩ ።

ሎሚ ሰኑይ 19 ጥቅምቲ 2026 ድማ፡ ንመራሒት Centerpartiet ኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት ፡መንግስቲ ምምስራት ዕድላት ንኽትጽንዕን ምስ ካልኦት ሰልፍታት ንኽትዘራረብን ሓላፍነት ሂብዋ።

ኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ማለት ብ26 ጥቅምቲ 2026፡ ውጽኢት ናይቲ ዘካየደቶ ምይይጥን ጻዕርን ንኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ከተቕርብ እያ። ብኻልእ ወገን፡ ማግዳሌና ኣንደርሶን፡ መራሒ ሰልፊ Moderaterna ኡልፍ ክሪስተርሾን (Ulf Kristersson) ናይ መንግስቲ ምምስራት ዕድላት ንኽምርምር ሓላፍነት ክወሃቦ ከም ዘለዎ ርእይቶኣ ገሊጻ ኔራ እያ።

ኡልፍ ክሪስተርሶን ብወገኑ፡ ኣብ ባይቶ ዘድሊ ፖለቲካዊ ደገፍ እንተተረኺቡ፡ ዘይሶሻሊስታዊ ብዙሓት ድምጺ ዝድግፍዎ መንግስቲ ንምምስራት ድሉው ምዃኑ ገሊጹ። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ እዋን እዚ ከምዚ ዝበለ ብዙሓት ድምጺ ዘለዎ ፖለቲካዊ ደገፍ ከም ዘየለ ንሱ ባዕሉ ኣረጋጊጹ።

ኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኮይና ተመሪጻ ማለት ግን ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን እዚ ዝተዋህባ ሓላፍነት፡ ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእል ደገፍ ኣብ ባይቶ ክርከብ ይኽእል ድዩ ንምጽናዕ ጥራይ ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ድሕሪ እዚ ናይ ሎሚዓንቲ ዉሳነ ኣፈጉባኤ ሽወደን መራሕቲ ሰልፍታት ሽወደን እንታይ በሉ?
1. መራሒት ሰልፊ KD ኤባ ቡሽ፡ «ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ጥበብ ዝተሓወሶ ውሳነ ወሲኑ»
መራሒት ሰልፊ ክርስትያን ዲሞክራተርና (Kristdemokraterna – KD) ኤባ ቡሽ (Ebba Busch)፡ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ሽወደን ኣንድርያስ ኖርለን (Andreas Norlén)፡ ንመራሒት Centerpartiet ኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት (Elisabeth Thand Ringqvist) መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእል ፖለቲካዊ ደገፍ ንኽትምርምር ሓላፍነት ምሃቡ፡ ጥበብ ዝተሓወሶ ዉሳነ ምዃኑ ገሊጻ።

ኤባ ቡሽ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ X ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ ከምዚ ኢላ፦

«ሽወደን ክሳብ ሕጂ ሓድሽ መንግስቲ ከይመስረተት ናብ ሻድሻይ ሰሙን ኣቲና ኣለና። ስለዚ፡ መስርሕ ምምስራት መንግስቲ ናብ ቅድሚት ክስጉም ኣገዳሲ እዩ።

ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ፡ ንኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት ቀዳማይ ዕድል ሂቡ፡ ማእከላይ ኣንፈት ዘለዎ መንግስቲ ወይ ካልእ ጥምረት ሰልፍታት ዝሓቖፈ መንግስቲ ክምስረት ይኽእል ድዩ ንኽትምርምር ሓላፍነት ምሃቡ፡ ጥበባዊ ውሳነ እዩ ኢለ እኣምን።»

2. ኡልፍ ክሪስተርሾን (M)፡ «ውሳነ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ርትዓዊ እዩ»

መራሒ ሰልፊ Moderaterna ኡልፍ ክሪስተርሾን (Ulf Kristersson) ብወገኑ፡ ብዛዕባ ውሳነ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ርእይቶኡ ሂቡ። ንሱ ብተወሳኺ ከምዚ ኢሉ፦ «ውሳነ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ርትዓውን ምኽንያታውን እዩ። ማግዳሌና ኣንደርሶን (Magdalena Andersson) መንግስቲ ክትምስርት ኣለዋ ዝበሉ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ክሳብ ሕጂ 176 መናብር ኣብ ባይቶ ኣለዎም። እዚ ድማ ኣብ ባይቶ ብዙሓት ድምጺ ከም ዘለዎም የመልክት።

ስለዚ፡ እዞም ሰልፍታት ናይ ጸጋም ፖለቲካዊ ወገን መንግስቲ ንምምስራት ዘለዉ ኩሎም ኣማራጺታት ክሳብ መወዳእታ ክፍትኑ ዕድል ምሃብ ርትዓዊ እዩ።» ኢሉ።

3. ሲሞና ሞሃምሾን (L)፡ «ጽቡቕ ውሳነ እዩ»

መራሒት ሰልፊ ሊበራለርና (Liberalerna – L) ሲሞና ሞሃምሾን (Simona Mohamsson) ፡ ንኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት ናይ መንግስቲ ምምስራት ዕድላት ንኽትምርምር ሓላፍነት ምውሃቡ ጽቡቕ ምዃኑ ገሊጻ። ንሳ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ X ከምዚ ኢላ፦

«ሕጂ ኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት ናይ መንግስቲ ምምስራት ዕድላት ንኽትምርምር ሓላፍነት ተዋሂብዋ ኣሎ። እዚ ጽቡቕ እዩ። ምኽንያቱ፡ ኩሎም ዘይሶሻሊስታዊ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ዙርያ ኡልፍ ክሪስተርሶን ክጥርነፉን መንግስቲ ንምምስራት ደገፍ ክህቡን ይኽእሉ ድዮም ዝብል ንምፍላጥ ዕድል ይህበና።

ዕላማ ናይዚ መስርሕ፡ ብሰልፊ Socialdemokraterna ዝምራሕ መንግስቲ ንምምስራት ደገፍ ምርካብ እንተኾይኑ ግን፡ ሰልፊ Liberalerna ኣብ ተቓውሞ (Opposition) ኮይኑ ንሽወደን ሓላፍነት ብኸመይ ከም ዝወስድ ከብርህ እየ።» ኢላ።

ብሓጺሩ!

ብዛዕባ ሓድሽ መንግስቲ ሽወደን ምምስራት፡ መራሕቲ KD፣ Mን Lን ነቲ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ዝወሰኖ ውሳነ ኣወንታዊ ምዃኑ ገሊጾም። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ኣየኖት ሰልፍታት ብሓባር መንግስቲ ክምስርቱ ከም ዘለዎም፡ ዝተፈላለየ መርገጺ እዩ ዘለዎም። እቲ ቀጻሊ ኣገዳሲ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2026 እዩ። ኣብዚ ዕለት እዚ፡ ኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት ውጽኢት ምይይጣ ንኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ከተቕርብ እያ።

ተኽለወይኒ ኣስመላሽ
19 ጥቅምቲ 2026

ካብ 1 ለካቲት 2027 ሓዱሽ ሕጊ ናይ ስራሕ ፍቓድ (Arbetstillstånd) ኣብ ሽወደን!መንግስቲ ሽወደን፡ ካብ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ወጻኢ መጺኦም ኣብ ሽወደን ብፍቓድ ስራሕ (Arb...
18/10/2026

ካብ 1 ለካቲት 2027 ሓዱሽ ሕጊ ናይ ስራሕ ፍቓድ (Arbetstillstånd) ኣብ ሽወደን!

መንግስቲ ሽወደን፡ ካብ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ወጻኢ መጺኦም ኣብ ሽወደን ብፍቓድ ስራሕ (Arbetstillstånd) ዝሰርሑ ሰባት፡ ብቐሊሉ ስራሕን ኣስራሕትን ክቕይሩ ዘኽእል ሓድሽ ለውጢ ሕጊ ኣቕሪቡ ኣሎ።

እዚ ሓዱሽ እማመ ብ 8 ሓምለ 2026 ዝቐረበ ኮይኑ፡ ካብ 1 ለካቲት 2027 ኣብ ተግባር ክውዕል ተመዲቡ ኣሎ። እንተኾነ፡ እዚ ገና እማመ እምበር ክሳብ ሕጂ ከም ሕጂ ኣይጸደቐን ዘሎ። ኣብ ተግባር ቅድሚ ምውዓሉ ጌና ሕጋዊ ኮይኑ ክጸድቕ ኣለዎ።

1. ብዘይ ሓድሽ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዝፍጸም ምሕታት ኣስራሒ ምቕያር

ብመሰረት እዚ ሕጂ ዘሎ ሕጊ፡ ናይ ስራሕ ፍቓድ ኣብ ገለ ኩነታት ምስ ዝተወሰነ ኣስራሒን ዓይነት ስራሕን ዝተኣሳሰረ እዩ። ስለዚ ኣስራሒ ወይ ዓይነት ስራሕ ክቕይር ዝደሊ ሰብ፡ ሓድሽ ናይ ስራሕ ፍቓድ ከመልክት ይግደድ እዩ።

• ብመሰረት እቲ ሓድሽ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ኸኣ፡ ፍቓድ ስራሕ ምስ ሓደ ዝተወሰነ ኣስራሒ ወይ ዓይነት ስራሕ ጥራይ ዝተኣሳሰረ ኣይክኸውንን እዩ። ሕጋዊ ዘይወደቐ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዘለዎ ሰብ፡ ሓድሽ ናይ ስራሕ ፍቓድ ከየመልከተ ኣስራሒኡ ክቕይር ክኽእል እዩ። እንተኾነ፡ ሓድሽ ስራሕ ምስ ጀመረ ንበዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሽወደን (Migrationsverket) ከፍልጥ ክግደድ እዩ።

2. ስራሕ ዝሰኣኑ ሰባት ሓድሽ ስራሕ ንምድላይ ዝወሃቦም ግዜ ክናዋሕ እዩ

ብመሰረት እቲ ሕጂ ዘሎ ሕጊ፡ ኣብ ሽወደን ናይ ስራሕ ፍቓድ ዘለዎ ሰብ ፡ ስርሑ እንተቋሪጹ ወይ እንተስኢኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ሓድሽ ስራሕ ንምርካብ ዕድል ኣለዎ።

ብመሰረት እቲ ሓድሽ ሕጊ ግን፡ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ፍቓድ ስራሕ ዝነበሮም ሰባት፡ ስራሕ ብዝኾነ ምኽንያት እንተቋሪጾም፡ ሓድሽ ስራሕ ንምድላይ ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ግዜ ክወሃቦም ይኽእል። እዚ ናይ 6 ወርሒ ስራሕ ናይ ምድላይ ዕድል ነቶም ኣብ ሽወደን ካብ 2 ዓመት ንላዕሊ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዝነብሮም እሞ ክሰርሑ ዝጸንሑ ሰባት ጥራሕ እዩ ዝምልከት።

3. Migrationsverket ሓበሬታ ምሃብ ግዴታ ክኸውን እዩ

ብመሰረት እቲ ሓድሽ ሓሳብ ሕጊ፡ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዘለዎ ሰብ ኣብዞም ዝስዕቡ ኩነታት ንMigrationsverket ከፍልጥ ኣለዎ፦

• ስርሑ ምስ ወድአ ወይ ምስ ተቛረጸ።

• ኣብ ሓድሽ ቦታ ስራሕ ምስ ጀመረ።

እዚ ግዴታ ዘይምፍጻም፡ ኣብ ናይ ቀጻሊ ምምልካት ናይ ስራሕ ፍቓድ ወይ ኣብ መጻኢ ናይ ምንዋሕ መመልከቲ ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድር ይኽእል እዩ።

እቲ ሓድሽ ሕጊ ብኣብነት ንርኣዮ
ቀዳማይ ኣብነት፦

ሓደ ሰብ ኣብ ሽወደን ከም ናይ ኽሽነ ሰራሕተኛ (K**k) ይሰርሕ ኣሎ። ዘይወደቐ ናይ ስራሕ ፍቓድ ኣለዎ። ካብ ዝሰርሓሉ ዘሎ ቤት መግቢ ናብ ካልእ ቤት መግቢ ክቕይር ይደሊ።
ብመሰረት እቲ ሓድሽ ሓሳብ ሕጊ፡ ኣስራሒኡ ብምቕያሩ ጥራይ ሓድሽ ፍቓድ ስራሕ ከመልክት ኣየድልዮን። እንተኾነ፡ ሓድሽ ስራሕ ምጅማሩ ን Migrationsverket ከፍልጥ ኣለዎ።

ካልኣይ ኣብነት፦

ሓደ ሰብ ኣብ ሽወደን ንሰለስተ ዓመት ናይ ስራሕ ፍቓድ ተዋሂቡ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሃንደበት ካብ ስራሕ ደው ይብል። ብመሰረት እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ዝተወሰኑ ቅድመ ኩነታት እንተማሊኡ፡ ሓድሽ ስራሕ ንምድላይ ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ግዜ ክህልዎ ይኽእል።

እዚ ሓዱሽ ሕጊ ካብ 1 ለካቲት 2027 ኣብ ተግባር ክውዕል ተስፋ ተነቢርሉ ኣሎ። እዚ ሓዱሽ ሕጊ ብቐንዱ እቶም ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረትን EESን ወጻኢ ዝመጹ፡ ብመሰረት ሕጊ ናይ ስራሕ ኢሚግሬሽን ፍቓድ ስራሕ ዝተዋህቦም ሰባት እዩ ዝምልከት።

ተኽለወይኒ ኣስመላሽ
18 ጥቅምቲ 2026

ኣገዳሲ መጠንቀቕታ ካብ ፖሊስ ሽወደን !ብዙሓት ሰባት ናይ ሓሶት ክዳን ናይ ፖሊስ ተኸዲኖም፡ ፖሊስ ተመሲሎም ዘረፋን ስርቅን ይፍጽሙ ከም ዘለዉ ፖሊስ ሽወደን ንህዝቢ ኣጠንቂቑ ኣሎ። ትማሊ ዓ...
17/10/2026

ኣገዳሲ መጠንቀቕታ ካብ ፖሊስ ሽወደን !

ብዙሓት ሰባት ናይ ሓሶት ክዳን ናይ ፖሊስ ተኸዲኖም፡ ፖሊስ ተመሲሎም ዘረፋን ስርቅን ይፍጽሙ ከም ዘለዉ ፖሊስ ሽወደን ንህዝቢ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ትማሊ ዓርቢ 16 ጥቅምቲ 2026 ኣብቲ ናይ ፖሊስ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዝተጻሕፈ መጠንቀቕታ፡ኣብ ብዙሓት ከበቢታታ ሽወደን፡ ብስም ፖሊስ ተመሲሎም ዝፍጸሙ ናይ ምትላል ገበናትን ፈተነታት ምትላልን እናወሰኹ ይኸዱ ስለ ዘለዉ፡ ህዝቢ ኣድላዪ ዘበለ ጥንቃቐን ምክትታልን ክገብር ከም ዘለዎ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ንኣብነት፡ ኣብ ከባቢ Kungsbacka ዝተፈጸሙ ብዙሓት ፈተነታት ምትላል ፖሊስ ድሮ ክምርምሮ ጀሚሩ ከም ዘሎ ሓቢሩ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ኣብ Lysekil ዉን ሓደ ሰብ ፡ በዞም ናይ ፖሊስ ክዳን ተኸዲኖም ዘታልሉ ሰረቕቲ፡ ብዙሓት ክቡራት ስልማታትን ካልኦት ክቡራት ንብረታትን በቶም መታለልቲ ተወሲድዎ ኣሎ።

እቶም ሰረቕቲ ነቲ ምትላል ብኸመይ ይጅምርዎ?

1. መጀመርታ ናይ ሓሶት SMS ይልእኹልካ።

እቲ መልእኽቲ ካብ ኩባንያ ህንጻ፡ ካብ ናይ ጸጥታ ኣላርም ኩባንያ ወይ ካብ ካልእ ትካል ዝተላእከ እዩ ይመስል። ኣብቲ ዝሰደዱልካ መልእኽቲ ከኣ፡ ማዕጾ ገዛኻ ወይ ናይ ጸጥታ ኣላርም ክቕየር ከም ዘለዎ ይገልጹልካ። ኣብ ገለ እዋን እቲ ኩባንያ መፍትሕ ናይ ገዛኻ ስለ ዘለዎ፡ኣብ ገዛኻ ክትጸንሕ ከም ዘየድልየካ ይነግሩኻ።

2. ናይቲ ዝተላእከልካ መልእኽቲ መልሲ ክትህብ ወይ ክትድውል ይገብሩኻ።

ንስኻ ድማ እቲ ኩባንያ ብኸመይ መፍትሕ ናይ ገዛኻ ከም ዘለዎ ክትፈልጥ ትደሊ። ብተወሳኺ ንስኻ ባዕልኻ ዘይኣዘዝካዮ ስራሕ ኣብ ገዛኻ ክፍጸም ኣይትደልን። ነዚ ክትገብር ከኣ ንስኻ፡ ናብቲ ዝተላእኸልካ መልእኽቲ መልሲ ወይ ሓበሬታ ክትረክብ ኢልካ፡ ናብቲ ዝተዋህበካ ቁጽሪ ትድውል።

3. ፖሊስ ክሕግዘካ ከም ዝኽእል ይነግሩኻ።

እቲ ናይ ኩባንያ ወኪል መሲሉ ዝዛረበካ ዘሎ ሰብ፡ ጌጋ ከም ዘጋጠመን ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ፖሊስ ናብቲ ቦታ መጺኦም ክሕግዙ ከም ዝኾኑ ይነግረካ።

4. እቶም ሰረቕቲ ፖሊስ ተመሲሎም፡ ብስም ፖሊስ ይድውሉልካ።

ድሕሪኡ ሓደ ሰብ ፖሊስ ምዃኑ ብምግላጽ ይድውለልካ። እቲ ሰብ ገበን ክፍጸም ከም ዝኽእልን፡ ኣብ ገዛኻ ዘለዉ ክቡራት ንብረትካ ኣብ ሓደጋ ከም ዘለዉን ይነግረካ። ፖሊስ ድማ እቲ ሓደጋ ክሳብ ዝሓልፍ ክቡራት ንብረታትካ ኣብ ውሑስ ቦታ ከቐምጠልካ ከም ዝኽእል ይገልጸልካ።

5. ክቡራት ንብረታትካ ክወስዱ ናብ ገዛኻ ይመጹ።

ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ከኣ፡ ሓደ ሰብ ናይ ፖሊስ ክዳን ተኸዲኑ ነቶም ኣብ ገዛኻ ዘለዉ ክቡራት ንብረትካ ንምውሳድ ናብ ገዛኻ ይመጽእ። እንተኾነ እቲ ሰብ ፖሊስ ኣይኮነን። መታለሊ ሰራቒ ሰብ እዩ።

⚠️ ካብ ምትላል ንምድሓን እንታይ ክትገብር ኣለካ?

• ቅድሚ ስጉምቲ ምውሳድካ ተጠንቀቕ። ተሃዊኽካ ውሳነ ኣይትውሰድ። ከምዚ ዓይነት ናይ ተሌፎን ጻዊዒት ክመጸካ ከሎ ቀልጢፍካ ተሌፎን ዕጸዎን ርክብ ኣቋርጽን።

• ሓበሬታ ኣረጋግጽ። ናይቲ ኩባንያ ወይ ናይ ፖሊስ ወግዓዊ ቁጽሪ ተሌፎን ባዕልኻ ድለ። ኣብቲ SMS ዘሎ ቁጽሪ ኣይትጠቐም።

• ንዝኾነ ሰብ ክቡራት ንብረትካ ኣይትሃብ። ሓደ ሰብ ፖሊስ ተመሲሉ ናብ ገዛኻ መጽዩ ወርቂ፡ ገንዘብ ወይ ካልእ ክቡር ንብረት ክወስድ እንተደልዩ፡ ፈጺምካ ኣይትሃቦ።

• ንፖሊስ ቀልጢፍካ ሓብር። ናይ ምትላል ፈተነ ወይ ገበን እንተጋጢሙካ፡ ንፖሊስ ቀልጢፍካ ሓብር። ናብ ፖሊስ ሽወደን ኣብ ዘይህጹጽ ጉዳይ ብቁሪ ተኤፎን 114 14፡ ኣብ ህጹጽ ሓደጋ ከኣ ናብ 112 ደውል።

ፖሊስ ሽወደን እዚ ሓበሬታ ናብ ኩሉ ህዝቢ ክንዝርግሖ ተማሕጺኑ ስለ ዘሎ፡ ናብ ኩሉ ንኽባጻሕ ኩልና share ንግበሮ። ሙሉእ ሓበሬታ ናይ ፖሊስ ኣብ ቦታ ናይ comment ኣለኩም።

ተኽለወይኒ ኣስመላሽ
17 ጥቅምቲ 2026

ማግዳሌና ኣንደርሶን ብባይቶ ሽወደን ተነጺጋ !ባይቶ ሽወደን ንማግዳሌና ኣንደርሶን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን  ንኽትከውን ዝቐረበ ድምጺ ነጺግዎ ። ሎሚ ሓሙስ 15 ጥቅምቲ 2026፡ ኣብ መስር...
15/10/2026

ማግዳሌና ኣንደርሶን ብባይቶ ሽወደን ተነጺጋ !

ባይቶ ሽወደን ንማግዳሌና ኣንደርሶን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ንኽትከውን ዝቐረበ ድምጺ ነጺግዎ ። ሎሚ ሓሙስ 15 ጥቅምቲ 2026፡ ኣብ መስርሕ ምምስራት ሓድሽ መንግስቲ ሽወደን፡ ናይ መጀመርታ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ድምጺ ምሃብ ተኻይዱ።

ባይቶ ሽወደን ንማግዳሌና ኣንደርሶን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ንኽትከውን ንዝቐረበ ሓሳብ ብዓብላሊ ብድምጺ ባይቶ ነጺግዎ። እቲ ሎሚ ኣብ ባይቶ ሽወደን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ምርጫ ንማግዳሌና ኣንደርሶን እኹል ደገፍ ብዘይምርካባ ተነጺጋ ኣላ።

ኣብቲ ሎሚ ብባይቶ ሽወደን ዝተጋብአ ዋዕላ፡ 99 ኣባላት ባይቶ ማግዳሌና ኣንደርሶን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ንኽትከውን ደጊፎም ክገልጹ ከለዉ 248 ኣባላት ባይቶ ድማ ተቓዊሞም።

ማግዳሌና ኣንደርሶን ግን እዚ ውጽኢት እዚ ትጽቢት ዝተገብረሉ ምንባሩ ገሊጻ። ንሳ ብተወሳኺ ከምዚ ኢላ፦

«ካብታ ናይ ምርጫ ለይቲ ጀሚረ፡ ኣብ ሽወደን ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት ግዜ ከም ዝወስድን፡ መንግስቲ ቅድሚ ምምስራቱ ኣብ ባይቶ ብዙሕ ግዜ ድምጺ ምሃብ ከም ዘድልን ንዓይ ንጹር እዩ ነይሩ።» ትብል።

ማግዳሌና ኣንደርሶን ብተወሳኺ ፡ «መን ናይ መንግስቲ ምምስራት ዘተ ናይ ምክያድ ሓላፍነት ይወሃቦ ብዘየገድስ፡ ዕላማይ ሽወደን ናብ ሓድሽ ኣንፈት ክመርሓ ዝኽእል መንግስቲ ክምስረት እዩ።» ኢላ።

ድሌት ማግዳሌና ኣንደርሶን፡ መራሒ ሰልፊ ሞደራተርናን፡ እቲ ንዝሓለፉ 4 ዓመታት ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኩይኑ ዘገልገለ ፡ኡልፍ ክሪስተርሶን መንግስቲ ንምምስራት ዕድል ክወሃቦ ከም ትደሊ ትደሊ ዉን ሓቢራ ኣላ።

ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣፈኛ ባይቶ ሽወደን (Talmannen) ምስ መራሕቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ብተሌፎን ክዘራረብ እዩ። ብድሕሪኡ ንመን ቀጻሊ ናይ መንግስቲ ምምስራት ዘተ ናይ ምክያድ ሓላፍነት (sonderingsuppdrag) ከም ዝወሃብ ክውስን እዩ።

ማግዳሌና ኣንደርሶን፡ እዚ ሓላፍነት ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ግዜያት ተዋሂብዋ ስለ ዝነበረ፡ ሕጂ ድማ መራሒ ሰልፊ ሞደራትና (Moderaterna) ኡልፍ ክሪስተርሶን ተመሳሳሊ ዕድል ክወሃቦ ከም ዘለዎ ገሊጻ።

ንሳ ብተወሳኺ ከምዚ ትብል፦ «ኣብ ባይቶ ሽወደን ካልኣይ ዝዓበየ ሰልፊ፡ ከምቲ ንዓይ ዝተዋህበኒ ዕድል፡ ንዕኡ እውን ክወሃቦ ግቡእ እዩ ኢለ እኣምን። እዚ ንዝመጽእ ናይ ባይቶ ዘመን ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል እዩ።»

ሰልፊ Centerpartiet እውን፡ ኡልፍ ክሪስተርሶን ናይ መንግስቲ ምምስራት ዘተ ናይ ምክያድ ሓላፍነት ክወሃቦ ከም ዘለዎ ብወግዒ ገሊጹ ኣሎ። መራሒት ሰልፊ ሰንተርፓርቲየት፡ ኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት፡ ቅድሚ እቲ ናይ ሎሚ ኣኼባ ከምዚ ኢላ ኔራ፦

«ኡልፍ ክሪስተርሾን ናይ መንግስቲ ምምስራት ሓላፍነት ክወሃቦ ባህርያዊ እዩ። ምኽንያቱ ንሱ ካብቶም መንግስቲ ከቑሙ ዝኽእሉን፡ ኣብ ባይቶ ንድምጺ ክቐርቡ ዝኽእሉን መራሕቲ ሓደ እዩ።» ኢላ።

ሰልፊ Vänsterpartiet ግን፡ ኣብ መወዳእታ ማግዳሌና ኣንደርሶን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ክትከውን ከም ዝደሊ ኣትሪሩ ይማጎት። ይኹን እምበር፡ መራሒት እቲ ሰልፊ ኖሺ ዳድጎስታር ካልእ ሰብ ናይ መንግስቲ ምምስራት ዕድል ክወሃቦ ዝብል ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ ኣይነጸገቶን።

ኖሺ ዳድጎስታር ብተወሳኺ ከምዚ ትብል፡ «ሰልፊ ሰንተርፓርቲየት፡ እንታይ ዓይነት መንግስቲ ከም ዝደሊ ከነጽር ኣለዎ ኢለ እኣምን። ስለዚ ኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት፡ እቲ ንሳ ናይ ማእከል ፖለቲካ እትብሎ ኣማራጺ ኣሎ ድዩ የለን ንኽትምርምር ዕድል ምሃብ ጽቡቕ ሓሳብ ክኸውን ይኽእል። ከምኡ ዝበለ ኣማራጺ እንተሎ፡ ከምኡ ዓይነት መንግስቲ ክምስርቱ ይኽእሉ። እዚ ግን ናትና ሓላፍነት ኣይኮነን።» ትብል።

ብሓፈሻ ማግዳሌና ኣንደርሶን ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ ድምጺ ምሃብ እኳ እንተዘእተዓወተት፡ መስርሕ ምምስራት ሓድሽ መንግስቲ ሽወደን ገና ኣይተዛዘመን ዘሎ። ሕጂ ኣፈኛ ባይቶ ሽወደን፡ ምስ መራሕቲ ሰልፍታት ድሕሪ ምዝርራብ፡ ቀጻሊ መንግስቲ ንምምስራት ዘተ ዘካይድ መን ከም ዝኸውን ክውስን እዩ።

እዚ ማለት ማግዳሌና ኣንደርሶን ኣብ ቀጻሊ ድምጺ ምሃብ እንደገና ክትቀርብ ኣይትኽእልን ማለት ኣይኮነን። ናይ ሽወደን መስርሕ ምምስራት መንግስቲ ይቕጽል እዩ ዘሎ።

ተኽለወይኒ ኣስመላሽ
15 ጥቅምቲ 2026

ኣብ ሽወደን ብስም "SOS Alarm" ብዙሓት ናይ ሓሶት ናይ ሞት መልእኽትታት ይዝርግሑ ኣለዉ !ኣብዘን ዝሓለፋ 2 መዓልታት ኣብ መላእ ሃገረ ሽወደን፡ ብስም ትካል ህጹጽ ረድኤት SOS Ala...
15/10/2026

ኣብ ሽወደን ብስም "SOS Alarm" ብዙሓት ናይ ሓሶት ናይ ሞት መልእኽትታት ይዝርግሑ ኣለዉ !

ኣብዘን ዝሓለፋ 2 መዓልታት ኣብ መላእ ሃገረ ሽወደን፡ ብስም ትካል ህጹጽ ረድኤት SOS Alarm ብዙሓት ናይ ሓሶት ናይ ሞት መልእኽትታት ይዝርግሑ ኣለዉ ። እዞም ናይ ሓሶት መልእኽትታት ናይቲ ተሌፎን ዝድወሎ ዘሎ ሰብ ናይ ቀረባ ኣባል ስድራቤት ብሓደጋ ከም ዝሞተ ዝሕብሩ መልእኽታት እዮም።እዚ ካበይ ከም ዝመጽእ ዘሎ ክሳብ ሕጂ ዘይተፈልጠ ዘሎ መልእኽቲ ንምጽራይ ፖሊስ ሽወደን መርመራ ጀሚሩ ኣሎ።

ትካል SOS Alarm ድማ ዉን ትማሊ ሰሉስ 13 ጥቅምቲ ንህዝቢ ብሽሙ ናይ ሓሶት መልእኽትታት ይለኣኽ ከም ዘሎ ንህዝቢ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ ኣሎ።
ንኣብነት Alva L***r ዝተባህለት ጓል 25 ዓመት መንእሰይ ነባሪት Heby kommun፡ ዝሓለፈ ቀዳም ክልተ ኣቦኺ ሞይቱ ዝብል ናይ ሓሶት መልእኽቲ ተቐቢላ።

እቲ መልእኽቲ ኣብ ዝተቐበለትሉ ግዜ፡ ንሳ ንባዕላ ኣብ TikTok ቀጥታዊ ፈነወ (Live) ተካይድ ነይራ። ኣብቲ መልእኽቲ፡ ኣቦኣ ብሓደጋ ከም ዝሞተ ተገሊጹ ነይሩ። ነቲ መልእኽቲ ዘእምን ከኣ ፡ ናይ ኣቦኣ ውልቃዊ መለለዪ ቁጽሪ (personnummer) ተጠቒሱ ነይሩ።

ኣልቫ ነቲ መልእኽቲ ምስ ረኣየቶ፡ ብቕጽበት ናብ ኣቦኣ ደዊላ። ኣቦኣ ተሌፎን ምስ መለሰላን ድምጹ ምስ ሰምዐትን፡ ብህይወት ከም ዘሎ ኣረጋጊጻ።

ኣልቫ ናገልግሎት ዜና TV4 ከምዚ ክትብል ተዛሪባ፦
"ድምጺ ኣቦይ ምስ ሰማዕኩ፡ ኣብ መወዳእታ ብሩፍታ ከተንፍስ ክኢለ። ድሕሪኡ ግን ብዙሕ በኽየ። ምሉእ ኣካላተይ ድማ የንቀጥቀጥ ነይሩ።" ትብል እታ ብሞት ናይ ወላዲኣ ዝሰምበደት ኣልቫ።

ኣልቫ እዚ ተግባር ኣዝዩ ጨካንን ክፉእን ምዃኑ ገሊጻ። ሓደ ሰብ ነቲ መልእኽቲ ንኽእመን ብፍላጥ ናይ ካልእ ሰብ personnummer ክደሊን ክጥቀመሉን ከም ዝኽእል ክትርዳእ ከም ዘይከኣለት ሓቢራ።

ካብ ማዕከናት ዜና ሽወደን ጋዜጣ Dagens ETC ብዛዕባ እዚ ፍጻመ መጀመርታ ንህዝቢ ብዛዕባ እዚ ፍጻመ ዝሓበረት መዕከን ዜና እያ።

ካልእ Alva Engström ዝተባህለት ነባሪት Stugun ( ከባቢ Östersund ) ዉን ብሰኑይ ምሸት ተመሳሳሊ ናይ ሓሶት ተቐቢላ። ንሳ ዉን ኣብቲ ግዜ ኣብ ትሕቲ ገዛኣ ናይ ማዕጾ መስለሚ ዕንባባታት እናሰርሐት ፡ ኣብ TikTok ቀጥታዊ ፈነወ ተካይድ ነይራ።

እቲ ዝተላእከላ መልእኽቲ፡ ኣቦኣ ብሓደጋ መኪና ከም ዝሞተን፣ ሬሳኡ ድማ ንምርመራ ምኽንያት ሞት (obduktion) ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስደን ዝገልጽ ነይሩ።

ኣልቫ እንግስትሮም ንTV4 ከምዚ ክትብሎ ሓቢራ፦

"ኣዝየ ሰንቢደን ፈሪሐን። ኩሉ ነገር ትኽክል ይመስል ነይሩ። ናይ ኣቦይ መለለዪ ቁጽሪ፡ እቲ ዝቐረበ ሆስፒታልን ካልእ ሓበሬታን ትኽክል ነይሩ። ስለዚ ኣዝየ ፈሪሐ።" ድሕሪ ኣስታት 10 ደቓይቕ፡ ብሓገዝ ኣባላት ስድራቤታ ምስ ኣቦኣ ክትራኸብ ክኢላ። ኣቦኣ ብህይወት ከም ዘሎ ድማ ኣረጋጊጻ። እንተኾነ ግን፡ ክልቲአን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ TikTok ቀጥታዊ ፈነወ የካይዳ ስለ ዝነበራ፡ ምናልባት ብፍላጥ ዒላማ ተገይረን ክኾና ከም ዝኽእላ ይጥርጥራ።

SOS Alarm እንታይ ይብል?

• ትካል SOS Alarm ነዞም መልእኽትታት ብትሪ ኮኒኑ። ወሃቢ ቃል እቲ ትካል Tobbe Lundell ከም ዝገለጾ SOS Alarm ከምዚ ዓይነት መልእኽትታት ሞት ብSMS ኣይልእኽን እዩ።

• ንስድራቤት ብዛዕባ ሞት ናይ ምሕባር ሓላፍነት ናይ SOS Alarm ኣይኮነን።
• ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት መልእኽቲ ሞት ናይ ምብጻሕ ሓላፍነት ናይ ፖሊስ እዩ።

SOS Alarm ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ፖሊስ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ ገሊጹ። ሓላፊ ድሕነት እቲ ትካል Anders Fredriksson፣ እዞም መልእኽትታት ኣዝዮም ዘስካሕክሑን ዘስጠምጥሙን ምዃኖም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ገሊጹ።

ክሳብ ሕጂ ክንደይ ሰባት እዞም መልእኽትታት ከም ዝተቐበሉ ብንጹር ኣይተፈልጠን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሽወደን ከም ዝተዘርግሑ ተሓቢሩ ኣሎ።

ፖሊስ ሽወደን መርመራ ጀሚሩ !

ብመሰረት ናይ ፖሊስ ሃገራዊ ማእከል ሓበሬታ፡ ክሳብ ሕጂ ውሑዳት ጥርዓናት ቀሪቦም ኣለዉ። ፖሊስ ነቲ ፍጻመ ከም Ofredande (ምርባሽ ወይ ምስንባድ ሰባት) ዝብል ገበን መዲብዎ መርመራ የካይድ ኣሎ።

ወሃቢት ቃል ፖሊስ Karin Styrenius ንSVT ከምዚ ኢላ፦ "ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብ መንጎ እቶም ግዳያት ዝኾነ ርክብ ከም ዘሎ ዘርኢ ሓበሬታ የብልናን።"

ብተወሳኺ፡ ሕጋዊት ክኢላ Johanna Björkman ንTV4 Nyheterna ከም ዝገለጸቶ እንተኾይኑ፡ ሓደ ሰብ ብሓሶት ንርእሱ SOS Alarm እየ ምባሉ ጥራይ ብሕጊ ገበን ኣይኮነን። ምኽንያቱ SOS Alarm ናይ መንግስቲ በዓል መዚ ዘይኮነ፡ ከም ኩባንያ ዝተመዝገበ ትካል ስለ ዝኾነ እዩ። እዚ ግን እቲ ናይ ሓሶት መልእኽቲ ምልኣኽ ብኻልእ መሰረት ገበን ክኸውን ኣይክእልን ማለት ኣይኮነን ትብል።

ንህዝቢ ዝተዋህበ መጠንቀቕታ!

SOS Alarmን ፖሊስ ሽወደንን፣ ተመሳሳሊ ናይ ሓሶት መልእኽቲ ዝተቐበለ ሰብ ናብ ፖሊስ ጥርዓን ከቕርብ ይምሕጸኑ።እቲ ብ SOS Alarm ናብ ህዝቢ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ከምዚ ዝስዕብ ይንበብ።

ኣገዳሲ ምኽሪ! ካብ "SOS" ወይ "SOS Alarm" ብዝብል ስም፡ ናይ ስድራቤትኩም ኣባል ሞይቱ ዝብል SMS እንተተቐቢልኩም፡ ቅድሚ እቲ ሓበሬታ ምእማንኩም ብቐጥታ ምስ ስድራቤትኩም ተራኸቡ። ኣብቲ መልእኽቲ ዝርከቡ መላግቦታት ኣይትጠውቑ። ነቲ መልእኽቲ ድማ ከም መርትዖ ዓቅብዎ።

ከምዚ ዓይነት መልእኽቲ እንተተቐቢልኩም፣ ናብ ፖሊስ ብቁጽሪ 114 14 ጥርዓን ከተቕርቡ ትኽእሉ ክብል ንህዝቢ ሽወደን ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ሰዲዱ። እዚ ሓበሬታ ካልኦት ሰባት ካብ ከምዚ ዓይነት ምትላልን ምስንባድን ንኽጥንቀቑ ንምሕጋዝ ኣካፍልዎ( share ግበሩዎ) ።

ተኽለወይኒ ኣስመላሽ
14 ጥቅምቲ 2026

ሰልፊ Miljöpartiet ኩሎም እቶም ቅድሚ 6 ሰነ 2026 ዜግነት ሽወደን ንምርካብ ዘመልከቱ ሰባት በቲ ናይ ቀደም ሕጊ ዜግነት ንኽዋሃቦም ይጠልብ !ኣብ ፓርላማ ሽወደን ኣባል ሰልፊ Mil...
13/10/2026

ሰልፊ Miljöpartiet ኩሎም እቶም ቅድሚ 6 ሰነ 2026 ዜግነት ሽወደን ንምርካብ ዘመልከቱ ሰባት በቲ ናይ ቀደም ሕጊ ዜግነት ንኽዋሃቦም ይጠልብ !

ኣብ ፓርላማ ሽወደን ኣባል ሰልፊ Miljöpartietን መራሒት ጉጅለ ፓርላማ እቲ ሰልፍን ዝኾነት Annika Hirvonen፡ ኩሎም እቶም ቅድሚ 6 ሰነ 2026 ዜግነት ሽወደን ንምርካብ ዘመልከቱ ሰባት፡ ዋላ እቶም ብሰንኪ እዚ ሓዱሽ ሕጊ ናይ ዜግነት ሕቶኦም ዝተነጽጉ፡ ብመሰረት እቲ ናይ ቀደም ሕጊ ዜግነት ጉዳዮም ክምርመር ከም እትደሊ ንጋዜጣ The Local ገሊጻ።

ኣብ ሽወደን ካብ 6 ሰነ 2026 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ዘሎ ሓዱሽ ተሪር ሕጊ ዜግነት ብዙሓት ሰባት ሕቶ ናይ ዜግነት ክንጸጉ ጸኒሖም ኣለዉ። እዚ ሓድሽ ሕጊ ንኹሎም ዋላ ነቶም ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣመልኪቶም ዝጸንሑ ሰባት ይምልከቶም ስለ ዝኾነ ብዙሓት ሰባት ሕቶ ዜግነቶም ክንጸግ ጸኒሑን ኣሎን።

ብሰንኪ እዚ ሓዱሽ ሕጊ፡ ነቲ ናይ ቀደም ሕጋዊ ቅድመ ኩነታት ዘማልኡ ዝነበሩ ኣማኢት ሰባት፡ ሕጂ ኣሉታዊ ውሳነ ይወሃቦም ኣሎ።

ንኣብነት፦
• ነቲ ብሓድሽ ሕጊ ዝጥለብ ናይ ስራሕ መስፈርቲ ስለዘየማልኡ።
• ናይ ቋንቋ ሽወደን ኣፍልጦ ብዛዕባ ሕብረተሰብ ሽወደንን ፍልጠቶም ዘረጋግጽ ሰነድ ስለዘየቕረቡ።

እቶም ሕጂ ኣብ ፓርላማ ሽወደን ብሓባር ብዝሒ መናብር ዘለዎም ኣርባዕተ ሰልፍታት Socialdemokraterna፡Vänsterpartiet፡ Miljöpartiet ን Centerpartiet ኩሎም ንናይ ዜግነት ሕቶታት ዝምልከት መሰጋገሪ ሕጊ (Övergångsbestämmelser) ንምትእትታው ቃል ኣትዮም ኣለዉ።እዚ ማለት ፡ እቶም ቅድሚ 6 ሰነ 2026 ዜግነት ኣመልኪቶም ዝነበሩ ሰባት በቲ ናይ ቀደም ሕጊ ጉዳዮም ክረአ ኣለዎ ዝብል መብጸዓ ኣትዮም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ሕጊ ቅድሚ ምቕያሩ ድሮ ዜግነት ኣምልኪቶም፡ ኣሉታዊ ውሳነ ዝተዋህቦም ሰባት እንታይ ከም ዝኾኑ ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኮነን ዘሎ።

Annika Hirvonen ኣብ ሓድሽ ቃለ መሕትት ምስ The Local ከም ዝገለጸቶ፡ እቲ ብመንግስታዊ መጽናዕቲ ቀደም ዝቐረበ መሰጋገሪ ሕጊ ብቐጥታ ኣብ ፓርላማ ብምጽዳቕ ጥራይ ነቲ ጸገም ምፍታሕ ከም ዘይከኣል ትኣምን። ንሳ ብተወሳኺ ከምዚ ትብል፦

«ሕጂ ዝምርምሮ ዘለኹ ጉዳይ፡ መሰጋገሪ ሕጊ ጥራይ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ እቶም ብሰንኪ ሓድሽ ሕጊ ብቑዓት ከምዘይኮኑ ፈሊጦም ሕቶኦም ዝሰሓቡ፡ ወይ ድማ ድሮ ናይ እምቢታ ውሳነ ዝተዋህቦም ሰባት፡ እቲ መሰጋገሪ ሕጊ ብኸመይ ከም ዝጸልዎም ንጹር ኣይኮነን።»

«ስለዚ፡ ሕጂ ዝምርምሮ ዘለኹ ፍታሕ፡ ሓደ ሰብ ቅድሚ ዝተወሰነ ዕለት ናይ ዜግነት ሕቶ ከም ዘቕረበ ከረጋግጽ እንተኽኢሉ፡ ብመሰረት እቲ ናይ ቀደም ሕጊ ክምርመር ዝገብር ሕጋዊ ፍታሕ እዩ። እቲ ሕቶ ገና ውሳነ እናተጸበየ ይሃሉ ወይ ካብ መስርሕ ወጺኡ ይኹን፡ ፍልልይ ክህሉ የብሉን።» ትብል።

እዚ ማለት፡ ቅድሚ 6 ሰነ 2026 ዘመልከቱ ሰባት፡ ሕቶኦም ገና ኣብ መስርሕ ይሃሉ፡ ተነጺጉ ይኹን ወይ ተሳሒቡ፡ ብናይ ቀደም ሕጊ ክምርመሩ ዘኽእል ፍታሕ ክህሉ እያ ትደሊ ዘላ Annika Hirvonen.

Annika Hirvonen ነዚ ሓድሽ ሓሳብ ምስ ኣባላት ፓርላማ ካብቶም ካልኦት ሰለስተ ሰልፍታት ገና ከም ዘይተዘራረበትሉ ገሊጻ። ይኹን እምበር፡ እቶም ሰልፍታት ንመሰጋገሪ ሕጊ ንምምላስ ደገፎም ስለ ዝገለጹ፡ ነዚ ተመሳሳሊ ኣማራጺ ፍታሕ እውን ክድግፍዎ ተስፋ ከም እትገብር ሓቢራ።

ወሃቢ ቃል ናይቲ Fair Transition ዝተባህለ ዘመተ፡ Patrick Gallen፡ Annika Hirvonen ነቶም ድሮ ናይ እምቢታ ውሳነ ዝተዋህቦም ሰባት ዝምልከት ሕጋዊ ፍታሕ ትምርምር ምህላዋ ብሓጎስ ከም ዝተቐበሎ ገሊጹ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ ከምዚ ክብል ይዉስኽ፦

«ቅልጡፍ ፍታሕ ምርካብ፡ ንFair Transitionን ንኹሎም በዚ ጉዳይ ዝተጸልዉ ሰባትን ኣዝዩ ዘሐጉስ ምኾነ።» ይብል ። «እዚ ኣብ ሰፊሕ ደረጃ እንተተራእዩ፡ ሽወደን ናብ ልዕልና ሕጊ፡ ፍትሓውነት፡ ሚዛናውነትን ናይ ነዊሕ ግዜ ኣተሓሳስባን ቀዳምነት ዝህብ ኣገባብ ምሕደራ ትምለስ ከም ዘላ ዘርኢ ሓያል ምልክት ክኸውን እዩ።» ይብል።

Patrick Gallen፡ ነቶም ቅድሚ 6 ሰነ 2026 ዜግነት ዘመልከቱ፡ ብሰንኪ ሓድሽ ሕጊ ግን ናይ እምቢታ ውሳነ ዝተዋህቦም ሰባት ፍታሕ ንምርካብ፡ ምስቶም ነዚ ፍታሕ ዝድግፉ ሰልፍታት ዘተ ክቕጽል ከም ዝደሊ ገሊጹ።

ንሱ ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ሰሙናት ምስ Annika Hirvonenን ምስ ገለ ኣባላት እቶም ጸጋማዉያን ሰልፍታት ሓጺር ርክብ ከም ዝገበረ ሓቢሩ። እንተኾነ፡ ነዚ ጉዳይ ብዝያዳ ዕምቆት ንምዝታይ፡ ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ሰልፍታት ወግዓዊ ኣኼባ ክግበር ከም ዝደሊ ገሊጹ።

ዕላማ እቲ ኣኼባ፡ እዚ ፍታሕ ንምንታይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ከም ዝኾነን፡ ነቶም በቲ ሓድሽ ሕጊ ዝተጸልዉ ሰባት ንምሕጋዝ ብሓባር እንታይ ክግበር ከም ዝከኣልን ንምዝታይ እዩ።

Annika Hirvonen ዘቕረበቶ ሓሳብ እንተተቐቢሉን ናብ ሕጊ እንተተቐይሩን፡ ቅድሚ 6 ሰነ 2026 ዜግነት ሽወደን ዘመልከቱ ሰባት፡ ብመሰረት ናይ ቀደም ሕጊ ክምርመሩ ዘኽእል ዕድል ክፍጠር ይኽእል።
እዚ ነዞም ዝስዕቡ ሰባት ክምልከት ይኽእል፦

✅ እቶም ገና ናይ ዜግነት ውሳነ ዝጽበዩ ዘለዉ።

✅ እቶም ብሰንኪ ሓድሽ ሕጊ ናይ እምቢታ ውሳነ ዝተዋህቦም።

✅ እቶም ብሰንኪ ሓድሽ ሕጊ ናይ ዜግነት ሕቶኦም ዝሰሓቡ።

⚠️ ኣስተውዕሉ፦ እዚ ክሳብ ሕጂ ሓሳብ እዩ። ብፓርላማ ዝጸደቐ ሓድሽ ሕጊ ኣይኮነን። ስለዚ፡ እቲ ሕጊ ብወግዒ ክሳብ ዝቕየር፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ሕጊ ኣብ ግብሪ ይቕጽል።

ተኽለወይኒ ኣስመላሽ
13 ጥቅምቲ 2026

ምምስራት መንግስቲ ሽወደን ሕጂ ዉን ጌና ኣይተዛዘመን!ማግዳሌና ኣንደርሶን ካብ ጸጋማዉያን መሻርኽታ ተስፋ ዝሰኣነት ትመስል። ሎሚ ሰሉስ ፈተነ ምምስራት መንግስቲ ንኻልኣይ ግዚኡ ድሕሪ ምፍሻሉ...
13/10/2026

ምምስራት መንግስቲ ሽወደን ሕጂ ዉን ጌና ኣይተዛዘመን!

ማግዳሌና ኣንደርሶን ካብ ጸጋማዉያን መሻርኽታ ተስፋ ዝሰኣነት ትመስል። ሎሚ ሰሉስ ፈተነ ምምስራት መንግስቲ ንኻልኣይ ግዚኡ ድሕሪ ምፍሻሉ፡ምስ መራሕቲ የማናዉያን ሰልፍታት፡ (ምስ መራሒት ሰልፊ ክሪስትዲሞክራተርና (KD) ኤባ ቡሽን መራሒ ሰልፊ ሞደራተርና (M) ኡልፍ ክሪስተርሶንን ) ተራኺባ ፡ ብዛዕባ ንዝምስረት መንግስቲ ሽወደን ዝምልከት ዘተ ኣካይዳ።

እዚ ርክባት እዚ ነቲ ንነዊሕ ግዜ ዝቐጸለ መስርሕ ምምስራት ሓዱሽ መንግስቲ ሽወደን መፍትሒ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ዝተኻየደ እዩ። ቀዳመይቲ ሽወደን ንምዃን ክልተ ፈተነታት ኣካይዳ፡ ጌና ሕጅ ዉን ተስፋ ዘይቆረጸት ዘላ ማግዳሌና ኣንደርሶን፡ ብዘይካ ሰልፊ ስቨርየ ዲሞክራተርና (SD)፡ ምስ ካልኦት ሰልፍታት ፓርላማ ሽወደን ሰፊሕ ዘተ ከተካይድ ከም እትደሊ ቅድሚ ሕጂ ገሊጻ ምንባራ ዝዝከር እዩ ።

ድሮ ዉን ኣብ ዝሓለፈ 22 መስከረም፡ ምስ ኡልፍ ክሪስተርሶን ኣብ ስቶክሆልም፡ ኣብ ሳገርስካ ፓላተሰት (Sagerska palatset) ተራኺባ ዕሙቕ ዝበለ ዘተ ጌራ ምንባራ ይዝከር። ብመሰረት ሓበሬታ SVT Nyheter፡ ነቲ ርክብ ተበግሶ ዝወሰደት ዉን ባዕላ ማግዳሌና ኣንደርሶን ምንባራ ተጸብጺቡ ኔሩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ምስ ኤባ ቡሽን ኡልፍ ክሪስተርሶንን ዝተኻየደ ዘተ እንታይ ውጽኢት ከም ዘምጽአ ክሳብ ሕጂ ብንጹር ኣይተፈልጠን።

ሎሚ ሰሉስ 13 ጥቅምቲ 2026፡ ማግዳሌና ኣንደርሶን ምስ ኣፈ-ጉባኤ ፓርላማ ሽወደን ኣንድርያስ ኖርለን ተራኺባ፡ ብዛዕባ ውጽኢት እቲ ንምምስራት መንግስቲ ዝተዋህባ ሓላፍነት ጸብጻብ ኣቕሪባ። ድሕሪ እቲ ርክብ፡ ንምምስራት ሓዳስ መንግስቲ ዘድሊ እኹል ደገፍ ፓርላማ ክሳብ ሕጂ ከም ዘይተረኽበ ገሊጻ።

ማግዳሌና ኣንደርሶን ከምዚ ኢላ፦

«ብሓፈሻ ክግምግሞ ከለኹ፡ ገለ ኣወንታዉያን ምዕባለታት እኳ እንተማዕበሉ እንተኾነ ግን፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብፓርላማ ተቐባልነት ክረክብ ዝኽእል መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእል ኩነታት የለን። እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ምምስራት መንግስቲ ኣብ መንጎ ሰልፍታት ዘሎ ዘይሰማማዕ መርገጺታት ዝተኣሳሰረ እዩ።» ክትብል ንማዕከናት ዜና ሽወደን ሓቢራ።

ብመሰረት ጸብጻብ SVT Nyheter ከም ዝሕብሮ እንተኾይኑ፡ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ዕንቅፋታት፡ ኣብ መንጎ ሰልፊ ሰንተርፓርቲየት (C)ን ቨንስተርፓርቲየት (V)ን ዘሎ ዓቢ ፖለቲካዊ ፍልልይ እዩ። እዞም ክልተ ሰልፍታት፡ ኣየኖት ሰልፍታት ኣብቲ ዝምስረት ሓዱሽ መንግስቲ ክሳተፉ ከም ዘለዎም ኣብ ዝብል ጉዳይ ገና ኣይተሰማምዑን ዘለዉ።

ሕጂ ኣብ መስርሕ ምምስራት መንግስቲ እንታይ ክኸውን እዩ?

ማግዳሌና ኣንደርሶን፡ ንመዝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ፓርላማ ንድምጺ ክትቀርብ ድልውቲ ከም ዝኾነት ሎሚ ኣፍሊጣ ኣላ። ብመሰረት እቲ ሕጂ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት፡ ከምዚ ዓይነት ድምጺ እንተተኻይዱ፡ እታ ክትምስረት እትኽእል መንግስቲ ብሰልፊ ሶሻል ዲሞክራተርና (S) ጥራይ ዝቖመት ክትከውን ከም እትኽእል ገሊጻ።

እንተኾነ ግን እቲ ሕጂ ዝቕጽል ስጉምቲ ኣብ ኢድ ኣፈ-ጉባኤ ፓርላማ ኣንድርያስ ኖርለን ወዲቑ ይርከብ። ኣንድርያስ ኖርለን፡ ምስ ምክትላት ኣፈ-ጉባኤ ፓርላማ ብምዝታይ፡ መስርሕ ምምስራት ሓዱሽ መንግስቲ ብኸመይ ክቕጽል ከም ዘለዎ ክውስን እዩ።

ኣብ መደምደምታ፡ ድሕሪ ኣብ 13 መስከረም 2026 ዝተኻየደ ምርጫ ፡ ሽወደን ክሳብ ሕጂ ሓዱሽ መንግስቲ ኣይመስረተትን ዘላ። እቲ ቀንዲ ናይዚ ምኽንያት ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ከኣ፡ ኣብ መንጎ ፖለቲካዉያን ሰልፍታት ዘሎ ፍልልያት፡ ነቲ መስርሕ ምቛም ሓዱሽ መንግስቲ ከም ዝናዋሕ ገይርዎ ኣሎ።

ተኽለወይኒ ኣስመላሽ
13 ጥቅምቲ 2026

ደሃይ ምምስራት መንግስቲ ሽወደን!ዓርቢ 9 ጥቅምቲ 2026 ኣዝያ ኣገዳሲት መዓልቲ እያ። ጸጋማዉያን ሰልፍታት ሽወደን መንግስቲ ንምምስራት ዝሰማምዑላ ወይ ዝረሓሓቑላ መዓልቲ።ኣብዚ እዋን ኣብ ...
07/10/2026

ደሃይ ምምስራት መንግስቲ ሽወደን!

ዓርቢ 9 ጥቅምቲ 2026 ኣዝያ ኣገዳሲት መዓልቲ እያ። ጸጋማዉያን ሰልፍታት ሽወደን መንግስቲ ንምምስራት ዝሰማምዑላ ወይ ዝረሓሓቑላ መዓልቲ።

ኣብዚ እዋን ኣብ መንጎ ሶሻልደሞክራተርና፡ ሰንተርፓርቲየት፡፣ ቬንስተርፓርቲየት ን ሚልዮፓርቲየት ን ገለ ናይ ምቅርራብ ምልክታት የርእዩ ኣለዉ። ድሕሪ ጽባሕ ዓርቢ 9 ጥቅምቲ ዉን፡ ድሕሪ ዓወቶም ንመጀመርያ ግዜ ኣርባዕቲኦም ፓትርታት ብሓንሳብ ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ንኽዛተዩ ቖሰራ ሒዞም ኣለዉ። ይኹን እምበር እዞም ኣብ ምርጫ ተዓዊቶም ዘለው ኣርባዕተ ጸጋማዉያን ሰልፍታት ክሳብ ሕጂ ጌና ኣብ ምሉእ ስምምዕ ኣይበጽሑን ዘለዉ።

መራሒት ሰልፊ ሶሻልደሞክራተርናን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ክትከዉን ኣብ ምድላው ዘላ ማግዳለና ኣንደርሶን፡ መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእል ደገፍ ንምርካብ ጽዑቕ ዝኾነ ዘተታት ትቕጽል ኣላ። እቲ ቀንዲ ዘይስገር ብድሆን ጸገምን ኮይኑዋ ዘሎ ግን፡ ኣብ ሞንጎ ሰልፍታት ቬንስተርፓርቲየትን ሰንተርፓርቲየትን ኣብቲ ቀንዲ ተሪር መርገጺታቶም ጌና ክሳብ ሕጂ ለውጢ ዘይምግባሮም እዩ።

ማግዳለና ኣንደርሶን ኣብቲ ቀዳማይ ፈተነ መንግስቲ ምቛም ድሕሪ ምፍሻላ፡ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ 2 ጥቅምቲ፡ መንግስቲ ንምቛም ካልኣይ ዕድል ከም ዝተዋህባ ዝከር እዩ። ዝመጽእ ሰኑይ 12 ጥቅምቲ ዉን ውጽኢት ናይቲ ዘተ ንኣፈ-ጉባኤ ፓርላማ ክትሕብር እያ። ድሕሪኡ ድማ ናብ ምርጫ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸይድ ትጽቢት ኣሎ።

እቲ ዝዓበየ ዕንቅፋት ዘሎ እምበኣር ሰልፊ ሰንተርፓርቲየት ንሰልፊ ቬንስተርፓርቲየት ኣብ መንግስቲ ክኣቱ ኣይደልን ዝብል ደረቕ መርገጺኡ ጸኒዑ ምህላዉ እዩ። ምኽንያቱ ሰልፊ ሰንተርፓርቲየት ኣብ ማእከላይ ፖለቲካዊ መርገጺ ዝተመርኮሰ መንግስቲ ክምስረት ስለ ዝደሊ። ይኹን ደኣ እምበር፡ ሰልፊ ሰንተርፓርቲየት ሓደ ኣገዳሲ ስጉምቲ ወሲዱ ኣሎ። ንሰልፍታት ሶሻልደሞክራተርና፡ ቬንስተርፓርቲየት ሚሊዮፓርትየትን፡ ንድሕሪ ጽባሕ ዓርቢ ንሓባራዊ ኣኼባ ዓዲሙዎም ኣሎ።

መራሒት ሰንተርፓርቲየት ኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት: ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ነቶም ንሽወደን ዘጋጥሙ ጸገማት ንምፍታሕ ሓባራዊ መበገሲ ንምርካብ ምዃኑ እያ ትሕብር። ግን ሰልፊ ቬንስተርፓርቲየት ኣብ መንግስቲ ክሳተፍ ኣይንቕበልን ዝብል መርገጺኣ ገና ኣይቀየረትን ዘላ።

ሰልፊ ቬንስተርፓርቲየት ዉን ንዕድመ ሰንተርፓርቲየት ተቐቢሉ፡ ኣብቲ ናይ ዓርቢ ኣኼባ ክሳተፍ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ተበግሶ እዚ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ለውጢ እዩ። ምኽንያቱ ቅድሚ ሕጂ እዞም ክልተ ሰልፍታት ፡ ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ንምዝታይ ዝኽእልሉ ዕድል ኣዝዩ ዝራሓቐ እዩ ኔሩ።

እዚ ሓድሽ ምዕባለ እምበር ነቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ምትፍናን ክፈትሕ ዝኽእል ቀዳማይ ስጉምቲ ክኸውን ይኽእል ዝብል ግምት ኣሎ። ይኹን እምበር ሰልፊ ቬንስተርፓርቲየት ዉን እቲ ኣብ መንግስቲ ናይ ምእታዉ ቀንዲ ጠለቡ ኣይቀየሮን ዘሎ። ምኽንያቱ ንንማግዳለና ኣንደርሶን ንምድጋፍ ኣብ መንግስቲ ክሳተፍ ከም ዝደሊ ብተደጋጋሚ ዝገልጾ ዘሎ እዩ። እዚ ድማ ምስ መርገጺ ሰንተርፓርቲየት ብቐጥታ እዩ ዝጋጮ።

ሚልዮፓርቲየት ኣብ ጉዳይ ምምስራት መንግስቲ ካብቶም ካልኦት ሰልፍታት ዝወሓደ ጸገም ዘለዎ ይመስል።ምኽንያቱ እቶም ንማግዳለና ኣንደርሶን ቀዳማይቲ ሚኒስተር ክትከውን ዝደልዩ ኣርባዕተ ሰልፍታት ተቐራሪቦም ሃናጺ ዘተ ክገብሩ ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ።ሚልዮፓርቲየት ኣብ ናይ ዓርቢ ሓባራዊ ኣኼባ እውን ክሳተፍ እዩ።

ገምጋም ናይቲ ከጋጥም ዝኽእል ኩነታት

ብመሰረት ፖለቲካዉያን ተንተንቲ ሽወደን፡ እዚ ኩነታት ናብ ስምምዕ ዝወስድ መንገዲ ብደረጃ 4 ካብ 10 እዩ ክበሃል ዝከኣል። እቲ ኣወንታዊ ነገር ዝዉሰድ ግን፡ እቶም ኣርባዕተ ሰልፍታት ዓርቢ ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ክዛተዩ ምዃኖም እዩ። እዚ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ኩነታት ኣገዳሲ ለውጢ እዩ።

ብተወሳኺ ጸጋማዉያን ሰልፍታት ብሓባር 176 መናብር ኣለዎም። ቲዶ ( የማናዉያን ሰልፍታት) ድማ 173 መናብር ኣለዎ። ስለዚ እቶም ኣርባዕተ ሰልፍታት ፍልልያቶም ኣጽቢቦም ኣብ ስምምዕ እንተበጺሖም፡ ማግዳለና ኣንደርሶን እኹል ፓርላማዊ ደገፍ ረኺባ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ክትከዉን እያ።

እቲ ዝዓበየ ጸገም ግን እዚ እዩ።

ቬንስተርፓርቲየት: “ኣብ መንግስቲ ክንሳተፍ ንደሊ።”

ሰንተርፓርቲየት: “ቬንስተርፓርቲየት ኣብ መንግስቲ ክሳተፍ ኣይንቕበልን።”

ስለዚ ስምምዕ ንኽፍጠር ካብዞም ክልተ መርገጺታት ሓዲኡ ክልወጥ ወይ ድማ ክልቲኦም ዝቕበልዎ ካልእ ናይ ማእከላይ ፍታሕ ክርከብ ኣለዎ። ሓደ ክኸውን ዝኽእል ፍታሕ ከኣ ብዘይ እዞም ክልተ ሰልፍታት፡ ብሰልፍታትን ሶሻልደሞክራተርናን ሚልዮፓርቲየት መንግስቲ ክምስርቱ እሞ፡ እዞም ተሃላለኽቲ ሰልፍታት ቬንስተርፓርቲየትን ሰንተርፓርቲየት ድማ ካብ መንግስቲ ወጻኢ ኮይኖም ብዝተፈላለየ ስምምዓት ፖለቲካዊ ጽልዋ ክህልዎም እዩ። እዚ ግን ብብዙሓት ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ትጽቢት ደኣ እምበር፡ እቶም ሰልፍታት ከምዚ ዝበለ ስምምዕ ከም ዝገበሩ ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ኣይኣወጁን ዘለዉ።

ስለዚ ድሕሪ ጽባሕ ዓርቢ 9 ጥቅምቲ 2026 ኣዝያ ኣገዳሲት መዓልቲ እያ። ሰልፍታት ቬንስተርፓርቲየትን ሰንተርፓርቲየት ድሕሪ እቲ ኣኼባ ብዛዕባ ዘይልወጥ ቅድመ-ኩነታቶም ጥራይ ካብ ምዝራብ፡ ብዛዕባ ምትዕርራይን ሓባራዊ ፍታሕን ክዛረቡ እንተጀሚሮም፡ ማግዳለና ኣንደርሶን መንግስቲ ናይ ምምስራት ዕድላ ስለ ዝዓቢ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ክይና ንሽወደን ንዝመጽእ 4 ዓመታታት ክትመርሓ እያ።

ተኽለወይኒ ኣስመላሽ
7 ጥቅምቲ 2026

Adress

Ångermannagatan 134
Stockholm
16265VÄLLINGBY

Öppettider

Måndag 09:00 - 15:00
Tisdag 09:00 - 15:00
Onsdag 09:00 - 15:00
Torsdag 09:00 - 15:00
Fredag 09:00 - 12:00

Telefon

+46762247121

Aviseringar

Bli först med att veta: vi skickar ett mejl när Delina Consulting AB publicerar nyheter och kampanjer. Din e-postadress används inte till något annat, och du kan avsluta prenumerationen när som helst.

Kontakta Affären

Skicka ett meddelande till Delina Consulting AB:

Genvägar

Dela

Kategori