Delina Consulting AB

Delina Consulting AB Kontaktinformation, kartor och vägbeskrivningar, kontaktformulär, öppettider, tjänster, betyg, foton, videor och meddelanden från Delina Consulting AB, Pass och visum, Ångermannagatan 134, Stockholm.

Delina consulting will pursue service in basic computer knowledge, study and job coaching in education, internships and/or jobs, language and subject support in Tigrinya and Amharic, and social services and support.

ሎሚ ምሸት!ጽባሕ ዓርቢ ኣብ Tiktok ቀጥታዊ ናይ ሕቶን መልስን መደብ ኣይክህሉን እዩ። ኣብ ክንዲ ጽባሕ ሎሚ ሓሙስ ምሸት ሰዓት 21:00 ኣብ ናይ ቶማስ Tiktok ብሓደ ክነምሲ ኢና።ካብ...
03/09/2026

ሎሚ ምሸት!

ጽባሕ ዓርቢ ኣብ Tiktok ቀጥታዊ ናይ ሕቶን መልስን መደብ ኣይክህሉን እዩ። ኣብ ክንዲ ጽባሕ ሎሚ ሓሙስ ምሸት ሰዓት 21:00 ኣብ ናይ ቶማስ Tiktok ብሓደ ክነምሲ ኢና።

ካብ ዝመጽእ ዓርቢ ግን ከምቲ ልሙድ ሰዓት፡ ወትሩ ዓርቢ መደብና ከም ቀደሙ ክቕጽል እዩ።

ሽወደን ናይ መጀመርያ ናይ ሞባይል መጠንቀቕታ ፈተነ ክተካይ እያ !ዝመጽእ ሰኑይ 7 መስከረም 2026 ሰዓት 15:00፡ ሽወደን ናይ መጀመርያ ናይ ሞባይል መጠንቀቕታ ፈተነ (SE-Alert) ክ...
02/09/2026

ሽወደን ናይ መጀመርያ ናይ ሞባይል መጠንቀቕታ ፈተነ ክተካይ እያ !

ዝመጽእ ሰኑይ 7 መስከረም 2026 ሰዓት 15:00፡ ሽወደን ናይ መጀመርያ ናይ ሞባይል መጠንቀቕታ ፈተነ (SE-Alert) ክተካይ እያ። እዚ ኣብ ታሪኽ ሽወደን ናይ መጀመርያ ዝኾነ ፈተነ ነቶም ኣብ ከተማታት ስቶክሆልምን ጎትላንድን ዝነብሩ ህዝቢ ኣብ ሞባይላቶም ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ክመጾም እዩ።

ብመንግስታዊ ናይ ሽወደን ናይ እዋን ህጹጽ ሓደጋታት ተጸዋዒ ዝኾነ ማዕከን ዜና Krisinformation.se ተሓቢሩ ከም ዘሎ፡ ከምቲ ንቡር ናይ ነፍሲ ወከፍ 3 ወርሒ ዝግበር ናይ ደገ መጠንቀቕታ "Hesa Fredrik"፡ እዚ ናይ ሞባይላት ናይ መጠንቀቕታ ፈተነ ብሓንሳብ ክካየድ እዩ።

ብመሰረት Krisinformation.se፡ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ (SE-Alert) ኣገዳሲ ሓበሬታ ንህዝቢ ብቐጥታ ናብ ሞባይላት ይላኣኽ። ዕላማ ናይዚ ናብ ሞባይላት ዝስደድ ዘሎ መልእኽቲ፡ ኩሉ ነገር ብዝግባእ ይሰራሕ ምህላዉ ንምርግጋጽ ተባሂሉ ዝፍተን ዘሎ እዩ።

እዚ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ (SE-Alert) ነቶም ኣብ ስቶክሆልምን ከባቢኣን፡ ነበርቲ ጎትላንድን ዝኾኑ ሰባት ጥራሕ እዩ ክፍተን። ብተወሳኺ ነቶም ኣብ ጎረቤት ስቶክሆልምን ጎትላንድን ነበርቲ ዝኾኑ ሰባት ዉን ብኸፊል ክጸልዎም ይኽእል እዩ። እዚ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ (SE-Alert)፡ ንኹሎም ነቶም እዋናዊ ዝኾነ ስማርት ሞባይል (ወይ ካልእ ስማርት መሳርሒ) ዘለዎም ሰባት ብቐጥታ ክበጽሖም እዩ።

እቲ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ፡ዋላ ሞባይልካ silent mode እንተሃያ ፡ ብዓቢ ድምጽን፡ ምንቅጥቃጥን (vibration) ዝተሰነየ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ክበጽሓካ እዩ። እዚ ግን ናይ ፈተነ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ብሙኻኑ ዝኾነ ነገር ክትገብር ኣየድልየካን እዩ። ካብ ሕጂ ጀሚርና ዉን ንሕብር ኣለና። ብዛዕባ እዚ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ኣብ ከባቢኻ ንዘለዉ ቆልዑ፡ መንእሰያትን ዓበይቲ ሰባትን ኣብ ኣቐዲምካ ምሕባር ዉን ሓጋዚ እዩ።

እቲ ናይ ፍተሻ መልእኽቲ ከመይ ከም ዝመስል ?

ኣብዚ ቀዳማይ ፍተሻ SE-Alert፡ ናይቲ ጽሑፍ ኣርእስቲ ብቋንቋ እንግሊሽ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ውሽጢ ዘሎ ጽሑፍ ብቋንቋ ሽወደን ኮይኑ፡ብቋንቋ እንግሊዝኛ ክስዕብ እዩ። እዚ ኣብ ዝመጽእ እዋን ምስ ናይ Apple ን Google ክመሓየሽ ምዃኑ ዉን ተሓቢሩ ኣሎ።

ነበርቲ ናይ ከባቢታት Uppsala፡Södermanland፡ Västmanland ን ዝኾኑ ሰባት ዉን እዚ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ክበጽሖም ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ SE-Alert ብናይ ሞባይል ዓንዲ (mobilmaster) ገይሩ ስለ ዝለኣኽ፡ እቲ መልእኽቲ ዝበጽሖ ብናይቲ ዓንዲ ሓይሊ/ርሕቐት ደኣ እምበር ብልክዕ ብናይ ክልል ወሰናት ስለ ዘይወሰን እዩ።

SE-Alert ብ 1 ሓምለ ኣብ ሽወደን ስራሕ ዝጀመረ እኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ንጡፍ ስራሕ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ታሕሳስ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ (SE-Alert) መልእኽቲ ኣብ መላእ ሃገር ሽወደን ክፍተን እዩ።

ተኽለወይኒ ኣስመላሽ
2 መስከረም 2026

01/09/2026

ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ሽወደን ዝካየዱ 5 ዓበይቲ ፍጻመታት !

ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ ሊንክ ጠውቑ !

https://youtu.be/-1WgIafQy98?si=VHxypaE7wM2YucyV

31/08/2026

Enjoy the videos and music you love, upload original content, and share it all with friends, family, and the world on YouTube.

30/08/2026
ደሃይ ምርጫ !ምርጫ ሽወደን 2 ሰሙን ጥራሕ ተሪፉዎ ኣብ ዘሎ ግዜ ፡ ሕጂ ዉን መራሒ ሰልፊ SD (Jimmie Åkesson )፡ ኣንጻር እታ መሻርኽቱ ኮይና ን4 ዓመታት ክትጎዓዝ ዝጸንሐት መራ...
29/08/2026

ደሃይ ምርጫ !

ምርጫ ሽወደን 2 ሰሙን ጥራሕ ተሪፉዎ ኣብ ዘሎ ግዜ ፡ ሕጂ ዉን መራሒ ሰልፊ SD (Jimmie Åkesson )፡ ኣንጻር እታ መሻርኽቱ ኮይና ን4 ዓመታት ክትጎዓዝ ዝጸንሐት መራሒት ሰልፊ Kristdemokraterna ዝኾነት Ebba Busch ከቢድ ናይ ቃላት ኲናት ጀሚሩ።

Jimmie Åkesson ቅድሚ ዉሑዳት መዓልታት ኣብቲ Tidö ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጽምዶ፡መሻርኽቱ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ስልፊ ሊበራልና፡ ኣንጻሩ ዝቐንዐ ከቢድ ናይ ቃላት ኲናት ከፊቱ ከም ዝቐነየ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሎሚ ዉን ኣንጻር መሻርኽቱ መራሒት ሰልፊ Kristdemokraterna ዝኾነት Ebba Busch ዝቐንዐ ጎስጓስ ጀሚሩ ኣሎ።

Jimmie Åkesson ኣብታ ተወሊዱ ዝዓበየላ ከተማ Sölvesborg ሎሚ ኣብ ዝገበሮ ሰሚናር ፡ ንሰልፊ Kristdemokraterna ምምራጽ ማለት ብቐጥታ ንሰልፊ Socialdemokraterna ምምራጽ ማለት እዩ ክብል መዲሩ። ሰልፊ Kristdemokraterna ናብ Socialdemokraterna እንተጸግዐ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ሰልፊ Kristdemokraterna እምነት ከም ዘጉደለ ሓቢሩ።

ተኽለወይኒ ኣስመላሽ
29 ነሓሰ 2026

ተጠንቀቑ !ኣብዘን ዝሓለፋ ቁሩብ መዓልታት ንብዙሓት ሰባት ካብ መንነቶም ዘይፈለጥ መደነገርቲ ሰባት፡ ዘይተኸፍለ ግብሪ ኣለካ ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ መታለሊ ጽሑፍ (ከምዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መልእኽ...
28/08/2026

ተጠንቀቑ !

ኣብዘን ዝሓለፋ ቁሩብ መዓልታት ንብዙሓት ሰባት ካብ መንነቶም ዘይፈለጥ መደነገርቲ ሰባት፡ ዘይተኸፍለ ግብሪ ኣለካ ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ መታለሊ ጽሑፍ (ከምዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መልእኽቲ ) ይመጸኩም ስለ ዘሎ፡ ከምዚ መጺና እልኩም Bank ID ከይትፍርሙ ሓደራ!

28/08/2026

Kandidat till riksdagen, plats nummer 35, och kandidat till kommunf...

ሎሚ  ዓርቢ ምሸት ሰዓት 21:00 ኣብ TikTok ኩሉኹም ተዓዲምኩም ኣለኹም!
28/08/2026

ሎሚ ዓርቢ ምሸት ሰዓት 21:00 ኣብ TikTok ኩሉኹም ተዓዲምኩም ኣለኹም!

Adress

Ångermannagatan 134
Stockholm
16265VÄLLINGBY

Öppettider

Måndag 09:00 - 15:00
Tisdag 09:00 - 15:00
Onsdag 09:00 - 15:00
Torsdag 09:00 - 15:00
Fredag 09:00 - 12:00

Telefon

+46762247121

Aviseringar

Var den första att veta och låt oss skicka ett mail när Delina Consulting AB postar nyheter och kampanjer. Din e-postadress kommer inte att användas för något annat ändamål, och du kan när som helst avbryta prenumerationen.

Kontakta Affären

Skicka ett meddelande till Delina Consulting AB:

Genvägar

Dela