Eri sport

Eri sport Eri sport

Permanently closed.
03/17/2026

Celebrating my 6th year on Facebook. Thank you for your continuing support. I could never have made it without you. 🙏🤗🎉

02/21/2026

Enjoy the videos and music you love, upload original content, and share it all with friends, family, and the world on YouTube.

08/06/2022
08/06/2022

ንዝኽሪ………

ቅድሚ ዓመት ልክዕ ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ብዛዕባ ቢንያም ግርማይ እንታይ ትዝክሩ??

መልሲ ኣብ comment ኣላትኩም ደቂ ሓትነይ

07/13/2022

ጃናስ ቪንጋርድ ዕዉት መበል 11 መድረኽ ኮይኑ

ቱር ዲ ፍራንስ 2022 ሎሚ ብመበል 11 መድረኽ ቀጺሉ ኣብ ዝወዓለሉ ብ'ዓወት ተቐዳዳማይ ክለብ ጃምቦ ቪዝማ ጆናስ ቪንጋርድ ተዛዚሙ።

መበል 11 መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ካብተን ዝሓለፋ መድረኻት እታ ዝኸበደትን ኣብ ናይ ግዜ' ዝወዳደሩ ተቐዳደምቲ'ዉን ፍልልይ ከተምጽእ ከም ትኽእል ልዑል ግምት ዝተገብረላ መድረኽ ኢያ ኔራ። ከም ግምት ኩሉ ኣፍቃሪ ቅድድም ብሽክለታ ድማ እዛ ጸወታ ንተቐዳደምቲ ኣዝያ ፈታኒትን ንተዓዘብቲ ድማ ኣዝያ ሰሓቢትን ኮይና ኢያ ተዛዚማ፡፡

ብዋሕዲ ሓገዝቲ ተቐዳደምቲ ዝሳቐ ዘሎ ወናኒ ብጫ ማልያ ፖካቸር ወላ እካ ንኹሉ መጥቃዕትታት ብምምካን ብዙሕ ናእዳ እንተ ረኸበ ኣብ መወዳእታስ ኣይግድን……

ኣብ ኣዝዩ ጽቡቕ ኣቃውማ ዝርከቡ ተቐዳደምቲ ጃምቦ ቪዝማ ኣብዚ ናይ ሎሚ መበል 11 መድረኽ'ውን ንፖካቸር ካብ እግሮም ንምትራፍ ኣዝዩ ብሉጽ ስራሕ ኢዮም ሰሪሖም፡፡

ንጉስ ናይዛ መድረኽ ኮይኑ ዝተዓወተ ተቐዳዳማይ ክለብ ጃምቦ ቪዝማ ኣብዚ ናይ ሎሚ ኣዝያ ተራር መድረኽ ነቲ ዘይሰዓር ዝመስል ዝነበረ ፖካቸር ፈንጺግዎ ብምኻድ 1ይ ኮይኑ ክዕወት ከሎ 2፡51 ክኸስበሉ ብምኻሉ ወናኒ ብጫ ማልያ ክኸዉን በቒዑ።

ኣብዚ ፈታኒ መድረኽ ኣብ መወዳእታ ዝነበረ ዓቐብ በይኑ ክድይብ ዝመረጸ ኮሎምባያዊ ናይሮ ኮንታና ወላ እካ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝግብ መሲሉ እንተ ነበረ ኣብ መወዳእታ ግን በቲ ንጉስ ናይዛ መድረኽ ቪንጋርድ ተበሊጹ 59" ሰከንድ ደንጉዩ 2ይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ዛዚሙ፡፡ ኪንታና ወላ ኡካ እታ ናይ መድረኽ ዓወት እንተ ኣምለጠቶ ኣብ ውድድር ግዜ ግን ደረጅኡ ብምምሕያሽ ናብ መበል 5ይ ደረጃ ክድይብ ኪኢሉ

ፈረንሳዊ ሮማያን ባርደት ኣብዚ ናይ ሎሚ መበል 11 መድረኽ ብሉጽ ውጽኢት ብምምዝጋብ ካብ ዕዉት 1፡10 ደንግዩ መበል 3ይ ደረጃ ብምሓዝ ኣብ ውድድር ብጫ ማልያ ን'ፖካቸር ብምምላጽ 2ይ ደረጃ ክሕዝ በቒዑ

ሓለቓ ጋንታ ክለብ ኢኖስ ኮይኑ ናብዚ ውድድር ዘመርሐን ካብ ብጫ ማልያ'ዉን ብዙሕ ዘይተፈንተተን እንግሊዛዊ ግራንድ ቶማስ 1፡38 ደንግዩ መበል 4ይ ደረጃ ብምሓዝ ኣብ ውድድር ብጫ ማልያ ሒዝዋ ዘኣተወ 4ይ! ደረጃ ዓቂብዋ።

ኣዳም ያትስ ኣብዚ መበል 11 መድረኽ ካብ ድሕሪት ተበጊሱ ንፖካቸር ኣርኪቡ ብምሕላፍ 2፡10 ደንግዩ ኡኮ ቅድሚ ፖካቸር መዛዘሚ ሕንጻጽ እንተ ረገጸ ኣብ ውድድር ግዜ ግን ቦቱኡ ብ'ናይሮ ኪንታና ተመንጢሉ ናብ 6ይ ደረጃ ኢዩ ክወርድ ተገዲዱ፡፡

7ይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ዝዛዘመ ኣብዚ ናይ ሎሚ መበል 11 መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ እቲ ወናኒ ብጫ ማልያ ፖካቸር ኢዩ፡፡ ፖካቸር ካብ መጀመርታ ብ'ተቐዳድውምቲ ጃምቦ ቪዝማ ክግበረሉ ዝወዓለ መጥቃዕቲ ከምክኖ ኡካ እንተ ወዓለ ኣብ መወዳእታ ግን ን'መጥቃዕቲ ቪብጋርድ ዝጻወር እግሪ ኣይነበሮን። ድሕሪ ስካቶ ቪንጋርድ'ዉን ድኻም ዝተሰምዖ ዝምስል ዝነበረ ፖካቸር ገለ ገለ ተቐዳደምቲ'ዉን ብድሕሪኡ መጽዮም ከሓልፍዎ ኢዮም ተራእዮም፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ 2፡51 ደንግዩ መዛዘሚ ሕንጻጽ ብምምጻእ ብጫ ምልያ ብምርካብ ናብ 3ይ! ደረጃ ኢዩ ክወርድ ተገዲዱ

ከመይ ረኺብኩሞ ናይ ሎሚ መበል 11 መድረኽ

ደቂ ኤረይ ሳብስራብ ኣይንሕመቅ
07/01/2022

ደቂ ኤረይ ሳብስራብ ኣይንሕመቅ

Eritrean sports

07/01/2022

---> 1st winner🥇🏆 ERITREA🇪🇷 Championship CYCLING 2022 Professional MERHAWI QUDUS & 2nd Winner🥈 Professional NATNAEL TESFAXION
°
°
📸On Sunday Evening After the Program,
We're Celebrated @ ADMAS CLUB.
°
°
°
Watch👉🏾 Instagram

Address

Edmonton, AB

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Eri sport posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Practice

Send a message to Eri sport:

Share

Category